Eritrea 2019፡ TOP 10 Government Officials፡ ኤርትራ 2019፡ ብሉጻት 10 ሰብመዚ መንግስቲ ኤርትራ፡ NationalEr Interest
Description
3. Eritrea 2019፡ #TOP10 Government Officials
ኤርትራ 2019፡ ብሉጻት 10 ሰብመዚ መንግስቲ ኤርትራ
#NationalEr #Interest Rate (Middle/Senior
Officials)
10. Mr. Paulos Netabay/ጳዉሎስ ነታባይ
Position: Director of the Eritrean News
Agency (ERINA) and as editor-in-chief of
Eritrea’s national Newspaper, Haddas
Eritrea at Ministry of Information,
Asmara, Eritrea/ዳይረክቶር ማዕከን ወኪል ዜና
ኤርትራ (ኤሪና)፡ ከምኡ ዉን ኤዲተር ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ
ኤርትራ፡ ሚኒስትሪ ዜና፡ ኣስመራ ኤርትራ፡
ምኽኒያት፡ ኣብ ስርዓተ ምምስራሕ፡ ዝርግሐ ዜናን ሓበሬታን፡ ምንጪ ዜና ኤሪና፡ ከምኡ ዉን ሓደስቲ ዜናዊ መደባት ኣብ ኢንተርነት ምስ መሳርሕቱ ኮይኑ ብዘርኣዮ ዘገምታዊ ምዕባለ፡
9. Mr. Kuflom Michael/ኩፍሎም ሚኪኤል
Position: President of Library And
Information Association of Eritrea/Member
of ICT Department at EIT, Asmara, Eritrea
ፕረዚደንት ኣብ ማሕበር ቤ/ንባብን ሓበሬታን ኤርትራ
ኣስመራ ኤርትራ፡
ምኽኒያት፡ ኣብ መላእ ሃገር ዝርግሐ ዘለዎ ዲጂታላዊ
ቤ/ንባብን መርበብን ንምትእትታዉ ማሕበሩ መሪሑ
ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ፡ "ነጻ ኢንተርኔት....!"
8. Mr. Brhane Gebrihiwet/ብርሃነ ገብሪሂወት
Position: Charge'de Affairs of Eritrean
Embassy in US, Washngton, USA/ፈጻሚ ጉዳያት
ኢምባሲ ኤርትራ ኣብ ሕቡራት ሃገራት፡ ዋሽንግቶን
ኣሜሪካ፡
ምኽኒያት፡ ንጡፍ ጽምዶ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት፡ ዝነኣድ ዉዳቤ ማሕበረኮም፡ ክፉት ሰሚናራት "Man of
Seminar"፡ ከምኡ ዉን ተሳትፎ ኣብ ዲፕሎማሲያዊ
ዝምድና ኤርትራ-ኣሜሪካ፡
7. Col. Melake Kiflemariam (Wedi Fitewurari)/
ኮረኔል መልኣከ ክፍለማሪያም
Position: Chief of Staff of the Eritrean Navy,
Massawa, Eritrea/ሓለቃ ስታፍ ሓይሊ ባሕሪ
ኤርትራ፡ ባጽዕ፡ ኤርትራ፡
ምኽኒያት፡ ኣብ ምዉሓስ ጸጥታ ቀይሕ-ባሕሪን፡ ምምዕባል
እቲ ወተሃደራዊ ትካልን ብዘለዎ ፍሉይ ኣበርክቶ፡ ካብኡ
ሓሊፉ ዉን ንስነ-ጥበባዊ ፍርያት ሃገርና የተባብዕ፡
6. Amb. Yohannes Teclemicael/ኣምባሳድር
የዉሃንስ ተክልሚካኤል
Position: Ambassador of Eritrea in South
Sudan, Juba, S. Sudan/ኣምባሳድር ኤርትራ
ኣብ ደ.ሱዳን፡ ጁባ ደ. ሱዳን፡
ምኽኒያት፡ ንጡፍ ዝምድና ኢምባስን ዜጋታትን፡
ዝጸፈፈ ኣገልግሎት እምባሲ፡ ተሳትፎ ኣብ
ምክልኻል ረብሓታት ዜጋታት፡
5. Mr. Nebil Seid/ነቢል ስዒድ
Position: Counselor, Permanente Mission of
Eritrea to the United Nation, New York, USA
ቆንሱላዊ ጉዳያት ኤርትራ ኣብ ሕቡራት ሃገራት፡
ኒዉዮርክ፡ ኣሜሪካ፡
ምኽኒያት፡ ኣብ ምፍራስ ክልተ እገዳን፡ ምክልኻል ሳልሳይ
እገዳን ብዝነበሮ ሞይዊ ተራ፡ ኣብ ምምሕያሽ ምስሊ
ኤርትራ ኣብ ተጋባእቲ እቲ ኣህጉራዊ ዉዳቤ፡
4. Mr. Fitsum Hagos/ፍጹም ሓጎስ
Position፡ Head of Wild Life Conservation
& Development at Ministry of Agriculture,
Asmara, Eritrea/በዓል መዚ ምዕቃብ ኣግራብን
እንስሳ ዘገዳምን ኣብ ሚኒስትሪ ሕሪኛ፡ ኣስመራ ኤርትራ፡
ምኽኒያት፡ ምስሳን ኣብ ደረጃ ጽንተት ዝነበሩ እንስሳ
ዘገዳም፡ ከም ዳግማይ ርኽበት ጋዜላ ጤለበዱ፡ ምስሳን
ቁጽሪ ሓራምዝ፡ ካልእ ምስፋሕን ምልማዕን ሕሩም ሕዛእቲ
ብተዛማዲ ዝተፈጥረ ስነ-ሂወታዊ ብዙሑነት፡
3. Col. Ezra Weldegebriel/ኮረኔል እዝራ
ወልደገብርኤል
Position: Commander of Military Training
Centers of EDF፡ Sawa, Eritrea/ኣዛዚ ማእከል
መሰልጠኒ ሓይልታት ምክልኻል፡ ሳዋ፡ ኤርትራ፡
ምኽኒያት፡ ኣበርክቶ ኣብ ምርግጋጽ ሃገራዊ ሓይሊ
ኣቦወምበር ብሩራዊ ኢዮቤሊ ጽንብል ሳዋ ኮይኑ
ንዘርኣዮ ድሙቕ ፋልማይ ብድሩዓት መካይን፡ ሓይሊ ኣየር፡
ሓይሊ ባሕሪ፡ ኣጋር ከቢድ ብረት...ወዘተ ዝተሰየ ታሪኻዊ
ወተሃደራዊ ምርኢት፡ "ሳሕልን ሳዋን፡ ሰብ ኩሉ ክኸዉን ኣለዎ..!"
2. Mr. Biniam Berhe/ቢኒያም በርሀ
Position: Charge'de Affairs of Eritrea Mission
to AU & UNECA, Addis Abeba, Ethiopia/ፈጻሚ
ጉዳያት ኤርትራ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃን ከምኡ ዉን ኣብ
ኮምሽን ቁጠባ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኣፍሪቃ፡
ኣዲስ ኣበባ ኢትዮጲያ፡
ምኽኒያት፡ ኣብ ርእሲ እቲ ንቡር ባህሪያዊ ዲፕሎማሲያዊ
ንጥፈታቱን ዕቱብነቱን፡ ምስ ደረጃ ዕድሚኡ ብምንጽጻር
ቅድሚ ናይ ሰላም ለዉጢ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንኣስታት
8ዓመታት ዝኣክል ምስ ብጾቱ፡ ኣብ ትሕቲ ስርዓት ወያኔ ኮይኑ
ምስ ኩሉ ምሰናኽላት ንሃገሩ ተወፊዩ ክሰርሕ ምክኣሉ፡
1. Amb. Sofia Tesfamariam/ኣምባሳድር ሶፊያ
ተስፋማሪያም
Position: Ambassador of Eritrea at UN,
New York, USA/ዲፕሎማሰኛ፡ ኣምባሳድር ኤርትራ
ኣብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኒውዮርክ፡ ኣሜሪካ፡
ምኽኒያት፡ ኣብ ኤርትራ ተስገዲዱ ዝነበረ 2 እገዳታትን ሓደ
ኣብ መስርሕ ዝነበረን፡ ንምፍራሱ ካብቶም መሪሕ ተራ
ዝነበራ ብምንባራ፡ ከምኡ ዉን፡ ካብ ኣብ ደገ ዝነብር ህዝብና፡ እታ እንኮ ኣብ ዝለዓለ ጽፍሒ መንግስቲ ኤርትራ፡ ደረጃ ምሉእ
ኣምባሳድርነት ኣብ ሕቡራት ሃገራት ክትበቅዕ ምክኣል።
እገዳ ክሓልፍ እንበር ክለዓል ዳርጋ ኣብ ዓለምና ንቡር
ኣይኮነን፡ ኣዚካ እንተዘይሓልካ...!!!
Remark/መተሓሳሰቢ፡
ምሉእ ስራሕ ማለት ኣይኮነን፡ የግዳስ ተበጉሶ ጥራይ'ዪ። ተበግሶ "ዜጋ" ዝግብኦ ዋጋ (Credit) ክረክብ ኣለዎ። እወ፡ ካብ "ኣነ" "ንሕና" ኢዩ ቢሂልናን ባህልናን። እወ፡ ካብ "ንሱ/ንሳ" "ንሶም/ንሳተን" ኢዩ ድጋምና።
ስለምንታይ፡ ካብ መስርሕ ብረታዊ ቃልሲ ንናጽነት፡ ክሳብ ምዕቃብ ልኡላዉነት፡ ዝነበረ መድረኽ፡ ንሱ ስለዘስራሓና። ኣብዚ መድረኽ'ከ፡ ኣብ ንሕናን ንሳቶምን ተሓቢኡ ዋጋ ኣሕዋቱ ዝሰርቅ በቲ ሓደ፡ በቲ ከኣ ኣብ ኣህጉራዊ መድረኽ ሃገርናን ህዝብናን መርሒና እነካይዶ ተርግእ፡ ዜጋታት ኣምሪሕና ክንፍጽሞ ባህሪ ሕብረተሰብ ዓለምና ስለዝድርኸና፡ እንሆ መድረኹ መድረኽ ዜጋ ምዉሃብ ዝግብኦ ዋጋ (Credit) ኢዩ።
ኣብዛ ሃገር፡ ሳላ ኩሉ ዜጋ በብዓቅሙ ዝተመላልአ፡ ሳላ "ሓደ ኤርትራዊ ኩሉ ዝኾነ"፡ ሳላ ዜጋ ግቡእ ሓላፍነቱ ዘልዓለ፡ ሃገር ኣላ፡ ትተዓንቀፍ እንበር ኣይወደቀትን፡ ተጻባእቲ ደኣ ይብዝሕዋ እንበር ኣይተምበርከኸትን፡ ሳላ እጃም ኩሉ ዜጋ...!!!
ንሃገሩ፡ እምኒ ዉን ዝደርበየ ክኸብር ኣለዎ። ስለዝኮነ፡ ገለ ተጠቀስቲ ዜጋታትና ኣብ ማእከላይ ጽፍሒ ሰብመዚ መንግስቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝርከቡ ምስ ፍሉይ ኣበርክትኦም ከነምጽኦም ኢልና ፈተና እሞ፡ ከቢድ ጉዳይ ኮይንና። ኣብዛ ሃገር፡ ብመትከል "ምራሕ ተመራሕ - ብዉልቂ ዝምእዘዝ" ስርዓት ከምዘሎ ኣምሲልካ ዝዝረብ ዘረባ፡ ሓሶት ስለዝኮነስ፡ ዉጽኢት ሓደ ሰብ ኣይኮናን ንርኢ ዘለና።
ከምቲ ክብ ኢሉ ዝተጠቅሰ፡ ተሳትፎ መላእ ህዝቢ ኣብ ዉሽጥን ወጻኢን ኣብ ቦትኡ ከምዘለዎ ከሎ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጽፍሕታት ምምሕዳር መንግስቲ ኤርትራ ብፍሉይ ኣበርክቶ ዝጥቀስ ከኣ ማእለያ ዘይብሉ ኮይኑስ፡ ኣብዚ ዉን ኣዋጢርና።
ሰብ ኣለዋን ፈረቃን'ዩ እዛ ሃገር እሞ፡ ንሎሚ ኣብ 2019 ቅድሚኡን ንገለ ገለ ንጥፈታት፡ ኣብ ዜናን ጎስጓሳትን፡ ሕሪሻ፡ ዲፕሎማሲ፡ መሪሒነት፡ ጸጥታን ምክልኻልን፡ ካልእን፡ ይዉክሉ ኢዮም ዝበልናዮም ላህመት ዜጋታት ኣብዚ ኣምጺኢና፡ ብዙሓት ከኣ ከይጠቀስና ተሪፍና። ሰብ ዝበለ ይበል፡ እቲ ክዉንነትና ግን፡ ዜጋ ግቡእ ሓላፍነቱ ተሰኪሙ ለይቲ ምስ ቀትሪ ፍረ ክርኢ ዝርህጽ ኣለና እሞ፡ ሕጂ ዉን ሰብ ኣለዋ እዛ ሃገር፡ ጌና ዉን ዝደቀሱ ኣናብስ ክበራበሩ ኢዮም፡ ክሳብ እታ ንሓልማ ሃገር ንርኢ።
ሽልማትና፡ ምዕብልቲ ሃገርና ምስ ዞባና መሪሕና ኣብ መቃን ኣህጉራዊ ደረጃ ምስ ንወጽእ ጥራይ ኢዩ እሞ፡ ክሳብ ንሓልሞ ንርኢ፡ ድቃስ የለን፡ ዘረባ ዉን የለን። ብዝተካእለ፡ ንጥፈታት ማሕበራዊ መራኸቢታትና ይኩን ዜናዊ ስርሓት፡ ነጸብራቕ እቲ ኣብ ሃገርና ንዓሞ ስራሕ ክኸዉን ንላቦ።
©03/01/2020
NationalEr Interest
Comments